с - ^тЗpЯ К[ Ї К с - ^тЗpЯ К[ Ї К

ድሕሪ ባዶነትከ ናበይ ገጽና?
ገጽና?
25- 12- 2014
4ይ ክፋል ግደፍ ዝፈከረስ ዝወርወረ..
ከመይ ሓዲርኪ ሃገረይ?
ሃገረይ? ደጊመ ርሑስ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ክኾነልና እምነ። ኣስዒበ ነዛ ትረኣየኩም ዘላ ካርቱን ብዕምቆት ክትዕዘቡዋ እላ
ወበኩም። ገለ ክፋልዓለም ውራይ ሓድሽ ዓመት ኣትይዋ ፋም ጣጥ ክትብል እንከላ ኤርትራና
ድማ ብውዲት ህግደፍ ትኾኖ ዘላ ብግብሪ ርኣይዎ። ‘ሞ ነቶም ክኢላታት ስነ-ጥበባውያን ኣዳ
ለዉታ እናኣመስገንኩ ከኣ ከምኣገዳስነትት ሞያኦም ዝያዳ ክጽዕቱ ኣብዚሐ ክላወቦም እፈቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ሓንቲ ካብተን ዝቀረብኩወን እዋናውያን ደረኽቲ ዛዕባታታት፡ ከም
ኣብነት ካብታ ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን መድሃኔ “ርኢቶን እማመን” ኢሉ ዘቕረባ ኩሉ ጎድና
ዊት ጽሕፍቲ ዘውጻእኩዋ ጥቕሲ ከምዚ ትብል ነይራ፡“ኣብ ስነ-ፖለቲካ “Politics is the art of the possible” ዝብል ብሂል ኣሎ። እዚ ብ
ሂል እዚ ቃል ብቃሉ ክትርጎም እንከሎ “ፖለቲካ ናይቲ ክኸውን ዝኽእል ጥበብ ኢዩ” ማ
ለት ኢዩ። ትሕዝቶኡ ኣብ ፖለቲካ ክትዋሳእ እንከለኻ ነቲ ዝከኣል ዘበለ ኣለሊኻ ብብቑዕ
ሜላን ውሕልነትን ተሰላስሎ ንዝብል ሓሳብ ኢዩ ዝእምት። ገለ ተመራመርቲ ግን “Politics is the art of the possible” ኢሎም
ጥራይ ደው ኣይብሉን። እንታይ ድኣ “it is also the art of making possible” ዝብል እውን ይውስኹሉ። እዚ ፖለቲካ ሓደ ዝድ
ለ ነገር ዝከኣል ክኸውን ናይ ምግባር ስነ-ጥበብ’ዩ” ማለት ኢዩ። ብቐሊል ኣዘራርባ እዚ፡ ፖለቲካ ማለት ሓደ ጉዳዪ ኣድላይ እንተድኣ ኮ
ይኑ ክሰልጠሉ ዝኽእል ወይ ዝከኣል ሜላ ናይ ምምሃዝ ስነ-ጥበብ ኢዩ ማለት ኢዩ” ብማለት ጠቒሱ ነይሩ።
ጥቕሲ ፕሮፌሶር ተስፋጽዮን መድሃኔ ነታ እዋናዊት ናይ “እንታይ ንግበር” ዛዕባና ንምምላስ ንድኽመት ተቓወምቲ ኤርትራ ብመንጽር
ናይ ወጻኢ(ኣውራ ናይ ኢቲዮጲያ) ተጽዕኖ ኣዛሚዱ ዝሓሸ ዝበሎ ድንቂ ትንተና መፍትሕ ፖለቲካዊ ኩነትና ስለዘቕረበ አመስግኖ። ኣነ
ድማ ንርኢቶኡ ከምዘለዎ ተቐቢለ በቲ ካልኣይ ግልባጡ ማለት ዓጢቕልና ዘሎ ዓለማዊ ፖለቲካዊ መቐይሮ ክርእዮ ክፍትን ኢየ።
ኣብ ብዓለሙ ከመይ ዝበለ ፖለቲካዊ ነውጺ ትርእዩ ከምዘለኹም ርዱእ ክወስዶ ይሓጽረለይ። ፖለቲካ ሓንቲ ዓለም “ሃገራት ባህርያዊ
ሃብተን ኣምኪነንኦ” ብዝብል ምስምስ ከምቲ ናይ 1884 ዝነበረ ምቅሊት መግዛእቲ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ድማ ተላዒሉ ንርእዮ ኣለና። ብ
ማእከላይ ምብራቕ ዝጀመረ ማዕበል ዕንወት ንኡክረይን ኣናዊጹ ንሩስያ ክሳብ ኣብ ቁጠባዊ ማዕቀብ ነቝትዋ እንሆ። ኣመሪካ ድማ ነቲ
ን50 ዓመታት ኣብ ርእሲ ሃገረ ኩባ ዘጽናዓቶ እገዳ ሃንደበት ከምዝሰረዘት፡ ስለዚ ንቡር ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ከምዝገብራ ተገልጸ። እ
ዚ ተግባር ነቲ ብኡክረይን ተመኽንዩ ክኸውን ዝተወጠነ’ሞ ዝበርዓነ ፈተነ መካሓሓሲ ተባሂሉ ንኩባ ካብ ሩስያ ምምንጣል ዝያዳ ንጸጥ
ታ ኣመሪካ ከምዘውሕስ ተኣሚንሉ ይኸውን። ዓለማዊ ባስካ ነዳዲ ንምቁጽጻር ኣህዛብ ካብ መረበቶም ምዝንባል መቸም ቢዝነስ ኢዩ።
ኩሉ ነገር መልሰ-ተግባር ስለዘለዎ ሩስያ’ውን ኣቐድም ኣቢላ ነቲ ኣብ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ (ኢቲዮጲያ፡ ሶማል፡ የመን፡ ግብጺ፡ ኣንጎላ)
ዘጥፋኣቶ ረብሓ ክትምለሶ ብምሕላን ከም መተካእታ ክልቲኡ ጫፋት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ሃኒጻ ክትቆጻጸር
ከምዝሓለነት ዝመስል ዘረባ ልሒዅ ነበረ። እንተኾነስ ከምቶም ፐርሽያውያን ንሳ ድማ ንክልተ ጻሕሊ ምልማጽ ዝለመደ መንግስቲ ኤር
ትራ እምንቶ ኣየሕደረትሉን’ሞ ናብ ሱዳን ኣቕኒዓ መዓስከራ ክትሃንጽ ከምተሰማምዐት ተወርየ። ግንከ በሽር ካብ ኢሳይያስ እንታዩ ኢዩ
መለሳኡ? ልዙብነት በሽር’ኮ ንርሱ በቲ ናይ ትማሊ ዝተላዕለ ኣብ ርእሲኡ ጸኒዑ ዝጸንሐ ማዕቀቡ ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ። ንሱ ትማሊ ን
ደቡብ ሱዳን ብምንጻሉ ክኸውን ይኽእል ነብሱ ከምዘውሓሳ ትመስሎ ዘላ። ኢቲዮጲያ ድማ ከም ሓለቃ ኢጋድ መጠን ንጸጥታዊ መዳ
ያት’ዚ ዞባኣ ክትሕሉ ከምዝተመዘዘት መጠን ኣብዚ ከባቢ እንታይ ዝኣመሰለ ስርሒት ክትሰርሕ ከምትሓልም ድሮ ተራእዩ ኣሎ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ከባቢያውን ዓለማውን ኩነታት ንዓና ብከመይ ይጸልወና?
ይጸልወና
ሃገርና ግደፍዶ ተዃሒላስ ብቀደማ’ውን ውቅብትን ምችእትን ብምዃና ብዝኾነ ገዛኢ ተባሃጊት ኢያ። ሕሉፍ ሰንሰለታዊ መግዛእትና ዝ
ምስክሮ ሓቂ ድማ ንሱ’ዩ። ሃገራት እናተሓረራ ናጽነትና ዝተሓረምናሉ ምኽንያት ድማ ንጽንዓትና ዘጽንዐ ኩነት ፈጠረ። ስለኡ ኣብ መስ
ከረም 1961 ወግዓዊት ጥይት ናጽነት ተተኮሰት። እዚ ንናይሓዋሩ ዓብለልቲ ሓይልታት ኣየደቀሶምን እሞ ንሳቶም ድማ ኣብ ውሽጥና ገለ
ጐሓሉ ሰዂዖም ተጣበቡልና። እንተኾነስ ህዝብና ተገዛኢ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣውራኡ ተጻዋርን ዘይዕጸፍ ሓርበኛን ብምዃኑ፡ ነቲ ሰውራ
ኣብ በረኻኡ እንከሎ ናይ ምብርዓኑ ውጥናቶም ስዒሩ ኣብ ናጽነት ምብጽሕ ዝድነቕ ህዝቢ ምዃኑ ዳግማይ ኣመስከረ።
እታ ናይ ዕለት 24 ግንቦት 1991 ፍጻመ መግዛእቲ፡ ተፈተወት ተጸልአት ክዉንቲ ኮይና ኢያ። ግናኸ ብሕማቕ ትዕድልትስ ንሕና’ዞም ው
ጹዓት ምስ ዓወት ኣስመራ እናኣተና በታ መዓልቲ’ቲኣ ድማ እቲ መንቀኛና ውዕል ሓድሽ መግዛእቲ ፈሪሙ ኢዩ። ክሳብ ሎሚ’ውን እቲ
ነቐዝ ሃገርና ኣቖንቝንናን ገናድማ ይኹዕተናን ኣሎ። እዚ ከመይ ኢሉ ከምዝኾነ ዝሕብር ሰነድ’ዃ እንተዘይብልና በዛ ትስዕብ ቀላል ሕቶ
ይ ክትርድእዎ ትኽእሉ።
”እቲ ናይ ትግራይ መውጽኢ ሓራ ዝኾነ ውድብ ደምህት ክንዲ ናብ ደደቢት ንምንታይ ኣብ ኣስመራን በረኻታት ኤርትራን ዓስኪሩ? ክ
ደግሞ ንምንታይ ደምህት ኣብታ ሓራ መሬት ገድሎም ዝነበረት ደደቢት ዘይዓስከረ? ንምንታይ ደደቢት “ባዲሙ” ተባሂሉ እናተሓደሰን
ከም ሓደ መስሕብ በጻሕቲ (ከም ስነ-ጥበባውያን) ተጸብጺቡ እናተበጽሐ ደምህተ-ዓረና ዝጽውዑ ሓደስቲ ተጋደልቲ ኣብኡ ዘይዓስከሩ?
ፕሮፌሶር ኣብቲ ፖለቲካዊ መጽናዕቱ፡ ሰለስተ ጉጅለ ተጋሩ ከምዘለዉ፡ እቲ ሳልሳይ ጥራይ ብናጽነት ኤርትራ ኣሚኑ ንጽቡቕ ጉርብትና
ከምዝምን ገሊጹ ኣሎ። ሓቁ ፕሮፌሶር። ግደፍ ብጉዳይ ኤርትራ ዝመጸስ ንርእሶም እታ “ኢቲዮጲያውነት” ኣይተሰማምዖምን ኢያ። እን
ደርታን ተምቤንን ሕዱር ቁርቁስ ኢቲዮጲያውነትን ትግራይ-ትግርኚን ከምዘለዎም ጎደፋ’ውን ኣስፊሑ ጽሒፉ ነበረ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ
ርእሲ ናይቶም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ቅኑዕ ኣጠማምታ ከምዝነበሮም ዝዕለለሎም ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ጽባሕ ንዝስዕብ ዓመጽ ከይዕንቅፎም
ምንባሩ ምግማቱ ኣየሸግርን። ከም ሕልፈት ጀነራል ሓየሎም ፡ ስዒቡ ብቀንዱ ነብሲ-ሄር ጠቕላሊ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ምእላይ ጀነ
ራል ጻድቃንን ካልእ መሰሉን ከም ምጽራግ ናይ ጽባሕ መገዲ ትግራይ ትግርኚ ወይ መገዲ ኣንድነት ከምዝቑጸር ይጥርጠር።
ከምኡ ዓይነት መደባት እንተኣልይዎም ብኸመይ ኣገባብ ክሰልጦም
ክሰልጦም ይኽእል?
ይኽእል
ናብ ጥቕሲ ተስፋጽዮን ንመለስ። ንሱ “ፖለቲካ ናይቲ ክኸውን ዝኽእል ጥበብ ኢዩ” ኢሉ ኣስዒቡ “ፖለቲካ ሓደ ዝድለ ነገር ዝከኣል ክኸ
ውን ናይ ምግባር ስነ-ጥበብ’ዩ” ክብል ገለጸ። መቸም ካብ ጥንቱ ካብ ጥቕምቱ ናጽነት ኤርትራ ኣይተደለየን። ዕንቅፋት ዝተጻወረ ህዝቢ
ኤርትራ ስለዘይተኻእለ ግን ከምቲ ህግደፍ ህድማ ብጸገም ቑጠባ ምዃኑ ዘመሳምስ፡ ብሰበብ ርእስኻ ዘይምኽኣል ናጽነት ኣርእዮም ክኸ
ልኡና ከምዝጣበቡ ክንዝንግዕ የብልናን። ስለምንታይ እንተበልኩም ፖለቲካ ስለዝኾነ ። እሞ እዚከ ብኸመይ ኢዮም ከተግብርዎ?
ኣቐዲምና ንከመይነት መስርሕ ፖለቲካዊ ለውጢ ርኢና ኔርና። ዘይተደላይ ስርዓት ንምእላዪ ግድን ፖለቲካዊ ለውጢ የድሊ። ለውጢ
ድማ ለውጢ’ምበር ጽገና ማለት ኣይኮነን። ከምኡ ካብኮነ ባህሪ ቃልሲ ተፈተወ ተጸልአ ግድን ጎነጻዊ ኢዩ። ብዛዕባ ኣገባብ ቃልሱ ዝም
ልከት ግዳ ግድን ብዕጥቂ ክበሃል ኣይከኣልን። ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኣድማታት፡ ምሕሳም መግቢ፡ ምስንኻል ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንዝኣ
መሰለ ተቓውሞ ‘ቲስርዓት ዝወስዶ መልሰ-ተግባር ብዘየገድስ ኩሎም ኣብ መደብ ‘ሰላማዊ ቃልሲ’
ቃልሲ’ ኢዮም ዝምደቡ። ሳሕቲ ብከምኡ ዝ
ግበር ናዕቢ ለውጢ ከምጽእ ይርአ ኢዩ። ዋሕስነት ስለዘይብሉ ኢዩ ድማ ፈተናዮ ጸላእናዮ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝእቶ ዝነበረ።
ከምቲ ንቡር ኣገባብ ቃልሲ ሓድሽ ክተኣታቶ ዝጸንሐ ክእለ ኣለዎ። ስርዓት ንምእላዩ ብዝተፈላለየ መገዲ መሓውራቱ ክለምስ ምእንቲ ኣ
ቐዲሙ ህዝቢ ክጎጻጉጾን ክርብሾን ኣለዎ። ህዝባዊ ናዕቢ እንተገንፊሉ ሞት ማእሰርትን ቅርሕንትን ኣሎ። እሞ እዚ ድዩ “ሰላማዊ ቃልሲ”
ዝበሃል? ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ሃገርና ነገራት ኣዝዮም ዝተፈለዩ ኢዮም። ክንዲ ህዝቢ ተናዒቡ ንህግደፍ ዘናውጻ ህግደፍ ኢያ ኣብ ኩሉ መዳ
ያት ሂወት ህዝቢ ኣትያ ትጎጻጉጾ ዘላ። ከም መንግስቲ ክትስከሞ ዘለዋ ሓላፍነት ረጥሪጣ ኣብ ሕቖ ህዝቢ ተኾይጣ ንሳ’ያ ህዝቢ ናብ ማ
ይ ክኸይድ ዝኣወጀት። ንሳ ኢያ ሃገርና ወርቂ እናተሓለበት ብውሓለ ዕሱብ ጥበብ ርእስና ከምዘይንኽእል ገይራትና ዘላ። ቀደም ወጻእተ
ኛታት ኣብ ዓድና መጺኦም’ኳ እንተገዝኡና ኪኖ ንመንበሪኦም፡ ንሕርሻታቶምን ትካላቶም ዝኸውን መሬት ምሕዛእ ዝገበሩና ኣይነበረን።
‘ኳድኣ ሃገርናስ የማዕብሉዋ ድኣ ነበሩ። ናይ ሎሚ ገዛኢና ግን ካብ ሃገርና ኣውጺእና ኣሎ። ህግደፍ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ክትበጽሕ ዓቕሚ ሰ
ብና ክበርስ ቀዳማይ ተደላይ ጠለብ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢዩ። ጌርዎ ድማ!! ብቐደሙውን እዚ ኩሉ ኣብ ኢቲዮጲያ፡ ምስቲ ኣብ የመንን
ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ሓዊስካ ኤርትራውያን መርገጺ እግሪ ንከይንረክብ ዝግበር ከበባ ተባሂሉ ከምተወጠነ ንመን ይጠፍኦ? ኢሳይያስ ሓ
ደ ምዙዝ ካብቲ ንሃገራት ዓረብ ዘባድም ዘሎ ሰውራ ሓንቲ ዓለም ስለዝኾነ ነታ “ሃገረይ” ዝብላ እንተኣዳቒቕሎም፡ እቲ ንሳቶም ክገብ
ርዎ ዘይካአሉ ብምግባሩ ኣባል ሓዳስ ዓለምነቱ ስለዘመስከረ ከምቲ ናይ ሙባረክ ናይ ሂወቱ ውሕስነት ከምዝወሃቦ ተነጊሩ ይኸውን።
“ኤርትራ ብዘይመንግስቲ ብዘይተቓወምቲ”
ብዘይተቓወምቲ” ተሪፋ እንሀት። ስለምንታይ ኢያ ግና ህግደፍ ንባዶነት መሪጻ?
መሪጻ
ድሕሪ ባዶነት ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኢዩ ክእቶ። ኣቐዲማ ብጉልባብ ልቓሕ ገንዘብ ኤርትራ ሰራዊታ እንተዘየጣይሳ ቅንጣብ መበገሲ ከምዘይት
ረክብ ስለዝተነግረት ኢሳይያስ ከም ሃዳናይ ከልቢ ”ቾቡላ” ከምተባህለ ንዕንወት ብዝበኣሰ ተተሓሓዞ። እቲ ምጥያስ፡ ዘይተደላይ ኲናት፡
ማእሰርቲ፡ ስደትን ቅትለትን ብዘይገለ ስኽፍታ ክፍጽሞ እንከሎ ድማ ብሰንኪ ግርህናና ነቶም ዝተቓወሙዎ ጓኒና ንዕዑ ባሌህ ዝበሎ ህ
ዝቢ ወይ በረከኛ ኣይረከበን። ከምውጽኢቱ ሎሚ ሃገርና ናብዚ ዝስዕብ መድረኽ ባዶነት ወሪዳ ኣላ። ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ምዕይ ክብ
ል ከምዘይክእል ዝመሰላ ወያነ ኮነት ኣጋፈርታ ነቲ ተደላይ መድረኽ ለውቲ ከምዝተበጽሐ ስለዝግምቱ እቲ ሕዱር ጥጅእ ፈተነ ክስዕብ
ክንርእዮ ኢና። ናብኡ ዝደፍአ ዓላማን ተኽእሎታቱከ እንታይ ኮን ይኸውን?
ቀንዲ ዓላማ፡ “ኢቲዮጲያ ትኣክል ‘ታሪኻዊት፡ ጥንታዊት፡ ሓያል፡ ብዝሕቲ፡ ሕፍርቲ ሃገር ከመይ ኣቢላ ብዘይወደብ ትህሉ? እዚ ነቶም
መሬት ኢቲዮጲያ ዝሸመቱ ኣውፈርቲ’ውን ኣዝዩ ዕንቅፋት ብምዃኑ ወዮ “ተራዒሙ ዘሎ ናጽነት ኤርትራ ክብወዝ ኣለዎ” ኢልካ ከም መ
ጠርነፊ ዝጥቀሙሉ ዓቢ ጎስጓስ ኣሎ። ክሳብ’ቲ ተበግሶ ዝፍጸም’ዩ ድማ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ነታዝገዝኣ ኤርትራ ብቑጠባ ይኹን ሓይሊ
ሰብ ርእሳ ከምዘይትኽእል ገይሩ ብግዜያውነት ክትጸንሕ ዝተጣበበ። ግ/ዊ መንግስቲ፡ ግ/ዊ መንነት፡ ግ/ዊ ሚኒስተር ወዘተ። ስለዚ፡-
1፡ ብዝኾነ ጥበብ ዳግማይ ወተሃደራዊ ረጽሚ ክድገመሉ ዝኽእል ተኽእሎ ምንዳይ። እዚ ክፍጸም ኣይክእልን ኢልካ ምሕሳብ ነቲ ዝተፈ
ጸመ ከምምርሳዕ ኢዩ። ምእንቲ ርእሱ ኢቲዮጲያ መራሒት ኢጋድ ብምዃና ፈጥኖ ደራሽ ሰራዊታ ድማ ጉቡእ ዕጥቂ ከምዝዓተቐ ንርእዮ
ኣለና። ንኣብነት’ኳ መዓስከር ናይተን “ድሮን” ዝበሃላ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ሃገራ ምህላዉ ዘምጽኦ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኾነን። እዚ ብመንጽ
ር ናይቲ ኤርትራ ቅንጣብ ሓይሊ ከይህልዋ ዝተገብረ ውዲት ክርአ ዘደቅስ ኣይኮነን’ሞ ዝርካቡ ሰራዊት ኤርትራ ጠጊኡ እንከሎ መዓጓጉ
ርቲ ሰራዊት ወያነ ግዳ ኣንተልጢሉ ይርአ ኣሎ። ግንከ ኲናት እንተተወሊዑ ይዕወትዶ? ዝምታ ሃብቲ ኢቲዮጲያኸ ይካአልዶ?
2፡ ኢቲዮጲያ ካብቀደማ ብወደብ ጂቡቲ ትጥቀም ከምዝነበረት ዝግለጽ ታሪኽ ሓቂ ኢዩ። ሽዑ ጂቡቲ ግዝኣት ፈረንሳ ብምንባራ ንጉስ
ምስፈረንሳ ንዝነበሮም ዝምድና ንከይበላሾ ክብሉ ኣይተግበርዎን’ምበር ግዝኣታዊ ድንዕታስ ነይሩ ኢዩ። መንግስቱ’ውን የምልቖ ነበረ።
ሎሚ ዑመር ገለ እንተተሰማሚዑ ብዝጠዓመ መገዲ ሕቶ ጠለብ ኢቲዮጲያ ክማላእ ኢዩ። ግን ምስ መጻኢ ዕድል ትግራይከ ይሳነዶ?
3፡ ልቢ ገዛእቲ ትግራይ ‘ሃገራውነቶም’ ምልእቲ ክትኮነሎም ካልእ ተኽእሎ ድማ ኣለዎም። ከምቲ መሬት ሕሞራን ከባቢኡን ዘሪፎሞ ዘ
ለዉ፡ ከምደገፍቲ ርእሰ-ውሳነ ክሳብ ምፍንጫል መጠን ድማ መሰል መንግስቲ ዓፋር ኣመኽንዮም ብማእከል ደንከል ብቐጥታ ንባዳ፡ጢ
ዖ፡ ማርሳ ፋጥማን ከባኒኡን ገለ መገዲ ምፍጣር። ግን ከምታ ናይ ጎንደር፡ ካርታ ትግራወይቲ ዓፋርከ ትከኣልዶ? ተረሲዓ ድያ ባድመ?
4፡ ወያነ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኤርትራ እናኣተወት ተካይዶ ኣውራጃዊ ምፍንጫል ኣሎ። እንተሰሚርላ ከምቲ ድኽምቲ ኤርትራ ክትርኢ
ትሓልም፡ ድኽምቲ ዝተፈንጨለት ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ክትርኢ’ውን ትሓልም ኢያ። እታ ኣውራጃ “ኢራፋይለ” ትበሃል ወደብ ስለዘላታ’
ምበር ብርግጽ ረብሓ ኣውራጃ ስለዝዓጠጣ ኣይኮነን። እሞ ከምቲ ኤርትራውያን ብስም ተቓወምቲ እናጨርሑ ከምሓቛፊት ደርሆ ዝሓ
ቐቑ፡ ከምቲ ሓርበኛ ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ርእሲ ከተማኦም ዓስኪሩ መለስ ብዝሃንደሰሉ መልክዕ ቃልሲ ክቃለስ ሓሊኑ ጥርሑ
ዝተረፈ፡ ከምቲ ናይ ደብረዘይቲ፡ ናይ ኣዋሳ እናተባህሉ መንእሰያትና ዝተገማምዑ፡ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ምትእትታዉ ተጋሩ ኣብ ጉዳይና
እንታይ ኢዩ? ብዙሕ እንተዘይተንተንና ይሓይሽ። ጥራይ ዋላ እንተተደልየት ዓድዋ ኣይትመጸና ኣይንኸዳ። ጥራይ ንከባበር!!
5፡ ስለምንታይ ኢያ ደምህት ብጉልባብ ቃልሲ ክንዲ ናብ ደደቢት ናብ ኣስመራን በረኻታት ኤርትራን ተዘሪኣ ዘላ? ኢለ ሕቶ ከምዘቕረ
ብኩ ኣይትረስዑ። እዚ’ሞ ፍሉጥ ኢዩ። ምእንቲ ርእሱ ንሳ ዓቃብ ሰላም ከባቢና ስለዝተመደበት ብዝኾነ ምስምስ ገለ ክፋል ሰራዊታ ኣ
ብ ኣስመራ ምእታዎም ጽባሕ ንዝፍጸም ኣድላይ ስጉምቲ ምዕቃብ ሰላም ንኤርትራ ምቁጽጻር’ውን ይከኣል ኢዩ። ፈኸራ መራሒኦም ጠ
ቅላሊ ሚኒስተር ሃይለማርያም’ንዶ ኣኮማስዕዎ። ግን ብሓይሊ እንተዝኣትዉናስ ብዒድና ዘሎ ስምረት ኤርትራዊኸ ኣይምተመልሰንዶ?
ብዙሕ ብዙሕ ምተባህለ። ከምሕልሞም ባዶ ስለዝተረፍና ምእንቲ ከይንውረር ናብገለ ዋጋ ዕዳጋ እንተኣተና ተጠቢቡ ኢዩ’ዚ ኩሉ ብና
ይ’ዚ ሓዲግ ፍጥረት ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሃገራዊ ዕንወት ዝወረደና። ንሱ ካብ ኩልና ይጎርሕ፡ ካብ ኩልና ይትንኩል። ልዕሊ
ኩልና ድማ ዋሕስነት ሂወቱ ኣለዎ። ትርፎ ኣገልጋሊነት ቅንጣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መንነት ዘይተዓደሎ መራሒ ብዙሕ ጸገማት ከምዘለ
ዎ’ውን ይዝንቶ። ግደፍ ብዙሕ ሓንቲ’ኳ ኣይንፈልጠሉን ንሕናስ። ይኣክል ምሽፍፋን፡ ኣኸለ!!!!
ኣብ ውሽጥና ድማ “ጥራሕና ካብተረፍና ዋላ ጽገና ንቀበል” ክበሃል ይከኣል ይኸውን። እቲ ንጉስ ምስ ወደቑ መስፍንነት ምስኦም ከምዝ
ዓነወ፡ መንግስቱ ምስተኣለየ ድማ ወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ምስኡ ከምዝነፈጸ ዝፈልጥ ቀለታ ኪዳነ ድማ “ጽገናስ መንዶ ህብና’ዩ” ክብል ም
ጽሓፉ፡ መድረኻውያን ዝመለሱሉ ይመስለኒ። ንሳቶም ንኢሳይያስ ጥራይ ከምዝቕይሩ ይገልጹ ኣለዉ። ምናልባሽ ርሑቕ ዝጠመተ ሃገራ
ዊ ራኢ ክኸውን ስለዝኽእል እቲ ኢሳይያስ ዓጽይዎ ዘሎ መስርሕ ሃገራዊ መሰጋገሪ ክትግበር ስለዝኽእል ክንቅበሎ ንእመን። ካብ’ቶም
ኣብ ሕምብርቲ ኢቲዮጲያ ዝመዓስከሮም ተቓወምቲ’ውን እንጽበዮ ፍታሕ ከምዘየለ ኣይንሕሰብ። ኢሳይያስ’ውን ንጀነራላቱ ጨርቂ’ ኳ
እንተኣዕጠቖም ኣኺልዎም ማለት ኣይኮነን። ጥራይ ከመቲ ሓደራ ፕሮፌሶር ሓሳብ ምፍጣርን ምቅላስ። እንተመራሒና ኣብ ኤርትራ ዝ
ተመነዮ ወሓለ ውጥን ባዶነት መላኺ ብምዃኑ ጥራይ ኣይኮነን። ሃገርና ድማ ከም ዋናታት ዘይብላ ጽብሕቲ መኣዲ ቀሪብሎም ኣሎ።
እንተ ወያነ ሕጂ’ውን ናብ ካልእ ደም ምምራሕ ኣይጽቡቕን ብምዃኑ ምስምስ ተቓውሞ ገዲፋ ካብ ሃገርና እንተወጸት ይሕሻ። ሓቂ’ዩ ባ
ዶነት ወሳኒ መስርሕ ለውጢ ምዃኑ። ብጠመተ ገዛእቲ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበርካ እንተገበርካዮ ምዕይ ዘይብል ከምድላዮም ዝምስ
ርሕዎ ኣብ ጎዱፍ ዝተኾመረ ጎሓፍ ይመስሎም ኣሎ። ባጫን ምክሽማሽን ስብሓት ነጋ ነዚ ኢዩ ዘረዳኣና። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ንኤርትራ
ውያን እናኣስተናዓቐ ንኤርትራ ከምዝተኸላኸለላ ኢዩ ገሊጹ። ቃል ቀለታ ኣብዚኣ መድለየት። ብላዕ ከይበልዎስ ጽብሑለይ ከምዝበለ ኣ
ቶ ስብሓት። ዝቐደመ ውዕሎና ክሒዳ መሓውርና ዝቖረጸትና ዓድዋ ገና መንፈስ ኣሉላታት ብዘሰከሮ መራሒና ተኣማሚና ምስቲ ኩልኳ
ል ጥልመታታ ክትስዕበና እንተምዒርዋ፡ ተሰሓሒቱ ከምዘሎ ክፈልጥ ኣለዎ ኣቶ ስብሓት። እሞ ድሕሪ ባዶነት ንኤርትራ ምጥፋእ ምድ
ምሳስ ኢልካ ኣይሕሰብን። እንተተሓሲቡ ስለዘይዕወት ክሕሰብ ኣይነበሮን። ከምቲ ዝሓለፈ ብዓመጽ እንተተተፈቲኑ ድማ እንኮላይ ፈተ
ንቱ ኣይክህልዉን ኢዮም። እዛ ሃገር ግደፍ ካብ ዝፈከረስ፡ ካብ ዝወርወረ ዘናግፍ ሕዱር ትንግርቲ ስለዘለዋ ወይከስኽፍ!!!!
ኣብ ዛዛሚ ኣርእስተይ የራኽበና። ደጊመ ድማ “እንዃዕ ኣብጻሓና” ክብል እፈቱ።
ጎደፋ።